ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል ዶኩሜንታሪ ፊልሚ ብትግርኛ፣ ብኣማርኛን ብኢንግሊዝኛን 1:30 (ሐደ ሰዓትን ፈረቃን ) ዝወስድ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ መለለይ ግብሪ ከፋልነት (Tin Number ) ፣መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ፣ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ (Vat) ዝተመዝገብሉ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ዘቕርቡ

2 ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 4000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝክእሉ

3 ተወዳደርቲ ናይ ስራሕ ኣድራሻን ነቲ ስራሕ ዘገልግልዎም ንብረትን ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከርኢ ዝኽእለ

4 ናይ ምልክታ መፀዋዕታ ጨረታ ፣ናይ ተጫረቲ መምርሒ፣ ናይ ዋጋ መምልኢ ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 04 ዘይምለስ ብር 30.00 /ሰላሳ ብር /ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 29/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራ ሰዓት ምውሳድ ይኸእሉ።

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸዉን

6 ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን አይክእሉን።

7 ጨረታ ዕለት 29/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን።

8 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉን እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን።

9 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተኸፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝስራሕ መጠን ስራሕ ክቕንስ ወይ ክውስኽ ይኸእል።

10 ጨረታ ዝሰዓረ ኣብ ጊዜ ውዕሊ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ከትሕዝ ዝኽእል

11 ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅእ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0342-400058 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo