ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ ማይጨው ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ቱቦታት፣ናይ ማይ ብረት፣መገጣጠሚታት ቆፀርቲ ማይ፣ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ፣መሳርሒ ፅሕፈት ፣ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ማይጨዉ

1 ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾንኩም

2 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ መረጋገፂ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊነት ግብሪ ዘለኩም መረዳእታ ዝሓዝኩምን

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ብር ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

5 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉ ንብቢሮ እምበር ብእርሳስ እውን ክፀሓፍ የብሉን። ብተወሳኺ ሽም ፌርማን ማህተምን እውን ክፅሕፍሉ ይግባእ።

6 እቲ ጨረታ ንቱቦታት፣ መገጣጠሚታት ቆፀርቲ ማይ 29/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

7 መኽፈቲ ጨረታ ናውቲ ኤሌክትሮኒክሰ ፣መሳርሒ ፅሕፈትን ድማ 30/02/2011 ዓ/ም ኾይኑ ድ.ሰዓት 8:20 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ይኽፈት።

8 ኣብቲ አዋን ጨረታ ንምርካብ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዝኾነ ተጫራቲ ብቁዕ ምኽንያት ኣቀዲሙ እንተኣቅሪቡ ረቋሒታት ጨረታ ኣማሊኡ እንተሊእኹ ክኽፈት ይኽእል።

9 መኸበሪ ሰነድ ጨረታ 5000.00 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትድሕዝ ኣለዎ።

10 መኸበሪ ውዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ።

11 ሰዓርቲ ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ማይጨው ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ።

12 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ውዕሊ ዝኣሰርዎ ዝተጠቀሰ ዕለት ኣታዊ እንተዘይገሮም መኸበሪ ውዕሊ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ብቅፅዓት ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።

13 ኣብ ቀረበ ንብረት መርኣያ ወይ (sample) ከቅርቡ ኣለዎም።

14 እቲ ቤት ዕዮ ተጫረቲ ትኽክለኛ ዘይኮነ ንብረት ተዘይኣቀሪቦም ናይ ምምላስ መሰሉ ሕሉው እዩ።

15 ብተወሳኺ እቲ ቤት ዕዮ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 25% ናይ ምውሳኽ ወይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ

16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዘሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

17 ጨረታ ንምዝባዕን ንምርባሽን ዝፈተነ ተጫራታይ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይባረር።

18 ተወዳደርቲ ድሕሪ ምስዓሮም ብጥርዓን ናይ ምቅራብ መሰል ኣለዎም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0914-096982/0347-771276 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo