ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዋንነቱ ናይ ቤት ማዘጋጃ ዝኾነ ኣብ ቀበሌ 02 ካብ ላዕሊ ማሕበር ዳንሻ ሰፈር ናብ ኣቶ ገ/መስቀል ዘሎ (መፋሰስ ) ብድረጃ 8 ብርኪ ብቅዓት ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ንኮንስትራክሽን ማሕበራት ውለቀን ደኣንትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ወረቀት ምስክርን ፍቃድ ስራሕ ንግዲ

2 ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ናይ ኮንስትራክሽን ተኮናታራይነት ምዝገባ ወረቀት ምስክር ዘለዎ

3 መለለሪ ቁፅሪ ከፋሊነት ግብሪ ከፋላይ ምዝግባ ወረቀት ምስክር

4 ምዝግባ ወረቀት ምስክር ተወሳኬ እሴት ታክስ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳታ ዘቅርብ

5 ንመከበሪ ጨረታ 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ) ብቤሔራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዘረጋገፅዎ ቼክ ሌተር ኦፍ ክሬዲት(ሲፒኦ) ከቅርቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ተከታተልቲ 120 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅሪ 3 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም

7 ተጫረቲ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ናይ ጨረታ መክበሪ ሰነድ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብዝርአ ቀለም ይፅሓፍሉ።

8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ኣብ ነፍስወከፍ ገፅ ፈሪሞምን ማሕተም ብምዕራፍ እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ ከይጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም

9 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ 22/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዕዝያን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ክፍሊ ቁፅሪ 3 ይክፈት

9 እቲ ቤት ዕዩ ከይዲ ስራሕ ዝሓሸ ኣመራፂእንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0344-442239/0344-442280 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo