ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፅሕፈት መሳርሒ ካብ መቕረብቲ ብምዕዳም ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክትገዝእ ትደሊ በዚ መሰረት ኣብዚ ውድድር ክትሳተፉ እተደልዩ ተወዳደርቲ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሱ::

2 ናይ ግብሪ ከፋልነት መፍለይ ቑፅሪ (TIN NO) መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ናይ መቕረባይነት ምዝገባ መረዳአታ ከቕርቡ ዝኽእሉን ናይ ቫት ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ::

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድቦንድ 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ / ብቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሽም ብ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ 100.00(ሓደ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ካብ ማ.ል.ት ቤ/ፅሕፈት ቑፅሪ 425 ክወስዱ ይኽእሉ::

6 ሰዓራይ ምስሰዓረ ምሰፈለጠ ኣብ ውሽጢ 7ተ መዓልቲ ከአቱ ዝኽእል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ን ቢድቦንድን ማሕተም ገይሮም ብኢንቨሎፕ ብምእሻግ ኦርጅናልን ኮፒን ብምፍላይ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 14/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 29/02/2011 ዓ/ም 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳፁን ኣታዊ ክገብር ይግባእ::

8 እቲ ጨረታ 29/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ አደራሽ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዝተረኸብሉ ይኽፈት ::

9 ናይቲ ኣቅሓ ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቅርቦ ናይ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ተቐባልነት የብሉን

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-406944 ምድዋል ይከአል እዩ:;

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo