ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንዝተፈላለዩ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ።ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረትቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ዘለኩም::

2 ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::

3 ቲን ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::

4 ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::

5 ናይ ወርሒ ነሓሰ ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::

6 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::

7 ናይ ሕድሕድ ዓይነት ንብረትት ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000.00(ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል::

8 ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 50.00 ብር (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከአል

9 ካብ ዕለት 07/02/2011ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 01 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::

10 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 27/02/2011 ዓ/ም 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ይከፈት

11 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::

12 እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንበረት ኣታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይተገበረ ንብረት ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀዒዑ እቲ ዝሰዓሮ ንበረት ኣታዊ ይገብር

14 ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 (ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል ዝአስር

15 ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት መከበሪ ጨረታ ዝቅፃዕ ምኻኑ ::

16 ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ወረዳ ሓዉዜን ትልምን ፋይናንስ አጎዓዒዙ ዘቅርብ

17 ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን ፅሕፈት መሳርሒ 20 % ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ብተለይ ኣብ ቀለም ፣እስክርፒቶ ኦርጅናል ዘቅርብ እስክርቢቶ ብሳምፕል መሰረት ከቅርብ ዝክእል

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0346-670078

19 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

20 እቲ ኣቅሓ ብበዓል ሞያ ተረጋገፀ ንብረት አታዊ ምስ ኮነ ክፍሊት ዝፍፀም ከም ዝኮነ አሚኑ ዝቅበል ክከዉን አለዎ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 034-6670078

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo