ትራንስ ኢትዩጵያ ሓ.ዝ.ዉ.ማ ናብ መቀለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ 10 ሜትር ኩብ ዝትሽከም ማይ ቦቴ መኪና ኣጫሪቱ ንምክራይ ስለዝደሊ በቲ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም ፍቃድ ዘለኩም ተጫረትቲ ጨረታ አወዳዲሩ ዉዕሊ ንምእሳር ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሱ ረቋሒታት ተማልኡ ናይ ማይ ቦቴ መኪና መካረይቲ ትካላት ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።

ትራንስ ኢትዮጽያ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ተጫራታይ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ቫት ተመዝጋቢ መካኑ ካልኣት ተዛመድቲ መረዳእታን ክቅርብ አለዎ

2 ዝርዝር ናይቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 50.00ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት መመርሒ ዕደጋን ቀረብ ንብረትን ቁፅፅርን ምዉሳድ ይከኣል

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብቲ ዘእተዎ ናይ ጨረታ ጠቅላላ ዋጋ 2 % ቫት ከይሓወሰ ብስፒኦ ብሽም ትራንስ ኢትዩጰያ ሓ.ዝ.ዉ. ማሕበር / Trans Ethiopia plc / ተደልዩ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ምስቲ ጨረታ ሰነድ ከትሕዝ ይግባእ ስፒኦ ዘየትሓዘ ተጫራታይ አብ ጨረታ ዘይሳተፍ ምካኑ ክፈልጥ አለዎ

4 ተጫረትቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ወይድማ ዘይሐወሰ ምካኑ ብግልፂ ክገልፁ ይግባእ ከይገለፁ እንተተሪፎም ዘቅርብዎ ቫት ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉስድ

5 ናይቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 08/02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብን ንብረት ቁፅፅር ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

6 እቲ ጨረታ ጥቅምቲ 20/02/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ መምርሒ ዕደጋን ቀረብን ንብረት ቁፅፅር ቢሮ ይክፈት

7 ተጫራታይ አሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ስራሕ ክጅምር አለዎ

8 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344416439 / 034408205 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo