ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ካብዚ ዝተመደበሉ በጀት ንዝተፈላለዩ አብያተ ፅሕፈት ወረድኡ ዘገልግል ፅሕፈት መሳርሒ : ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን

1 አብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/ Specification/ ምስራዝ አይካአልን

2 ናይ 2010ን 2011 ዓም ሙሉእ ግብሪ ዝከፈለ ወይ ንግዲ ፍቃድ ዘሐድስን

3 እዚ ግለፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብዘለዎ ይኽፈት በቲ ዝተባሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኺቡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘይለዉሉ ዝኽፈት ምኻኑ::

4 ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ንበረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከቅርብ ዝክእል

5 ንሐደ ደኩመንተ ዘይምለሰ ብር 100 /ሐደ ምኢቲ/ ከፊሉ እቲ ጨረታሰነድ ካብ ቤ/ ፅሕፈትና እቶት ኤጀንሲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ክፍሊት ብምክፋል ክወዳደር ዝደሊ

6 ተጫረትቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ 5000/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 30/01/ 2011 ዓ/ም ክሳብ 14/02/2011 ዓ/ም ኮይኑ ሐደ ኮፒ ሐደ ኦርጅናል ነንበይኑ ዓሺጉ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

8 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 14/02/2011 ሰዓት 4:30 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 5:00 ድሕሪ ሰዓት ይኽፈት መክፈቲ ቦታኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 3 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት አይተኣጎጎልን

9 ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

10 ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርድ / ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእልን ቫተ ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለረሽን መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእል::

11 ቤ/ፅ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወእዩ

12 እቲ ግልፂ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክህልዎ ኣለዎ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0344-460052 ወይ 0344-460583

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo