ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንአገልግሎት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈላላዩ ቐወምትን ሃለቅትን ኣቑሑት መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቑሑት ኤሌክትሪክ፣ኣቑሑት ኤለክትሮኒክስ፣ ኣቑሑት ዓለባ፣ኣቑሑት መሳርሒ ፅሬት፣መለዋወጢ ኣቑሑት መኪናን ኣቑሑት መሳርሒ ፅሕፈትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን በቢዘፈር ንግዲ ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ግብሪ ዝኸፈሉን መለለይ ቁፅሪ ተመዝጋቢነት ዘለዎም

2 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን አክሱም ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 5 ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናኸፈሉ ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ይከኣል።

3 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ ኣቑሑት መሳርሒ ህንፃ(5000.00) ቅርሺ ፣ኣቑሑት ኤሌክትሪክ፣ኣቑሑት ኤለክትሮኒክስ፣ ኣቑሑት ዓለባ፣ኣቑሑት መሳርሒ ፅሬት፣ መለዋወጢ ኣቑሑት መኪናን ኣቑሑት መሳርሒ ፅሕፈትን ድማ 3000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከቅርብ ዝኽእል

5 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተውሃቦም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ዘሐደሱ

6 ሰነድ ጨረታ ክሳብ 27/02/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገፅ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣታዊ ይግበር።

7 በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:00 ምስኾነ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 3:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

8 ተጫራታይ ካብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓትን እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

9 እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ብድ.ወ.ት ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ይኸውን።

10 እቲ ጨረታ ሰዓርቲ ምኻንኩም ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 3 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ቅሬታ ምቅራብ ይከኣል።

11 እዚ ጨረታ ሰዓርቲ ዝኾኑ ነጋዶ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ውዕሊ ኣሲሮም 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዙ።

12 ኣብ ተኸታተልቲ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣክሱም ጠቅሊሎም ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

13 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0347-453134 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo