ቤት ፅሕፈት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ኮረም ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝረከቡ ከይዲ ስራሕ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ቱቦን መገጣጠሚን ቆፃሪትን ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ናይ ቢሮ ኣቑሑ ፈርኒቸር፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ኮረም

1 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ዘለዎም

2 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ኮረም ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ንብረትን ንቱቦን መገጣጠሚን ቆፃሪትን 50.00 ቅርሺ፣ ንመሳርሒ ፅሕፈት 30.00 ቅርሺ፣ንኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ 30.00 ቅርሺ፣ ናይ ቢሮ ኣቑሑ ፈርኒቸር 30.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

3 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 05/02/2011ዓ/ም -22/02/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ 15 ናይ ስራሕ መዓልትታት እንትኸውን እቲ ጨረታ ካብ 23/02/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ይኽፈት።

3 ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ዝርዝር ረቋሒታት ኣብ መምርሒ ተጫረቲ ምርኣይ ይከኣል።

4 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ ሕሉው እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo