ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ማይ ካድራ ንቤት ፅሕፈተ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይ ካድራ ንነብሲወከፍ ከይዲ ሰራሕ ኣገልግሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ናውቲ ፅሬት ፣ናውቲ ኤሌክትሮኒክስን ዝተፈለላዩ መጠን ዘለዎም መሳርሒ ፅሕፈትን ካልኦትን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ማይ ካድራ

1 ዝግብኦም ግብሪ ከፊሎም ፈቃድ ንግዲ ዘሐደሱ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ

2 ተመዝገብቲ ተወሳኺ አሴት ታክስ ዝኾኑን ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎም

4 ኣብ ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ

5 መኸበሪ ጨረታ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቕርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከቅርቡ ዝኸእሉ

6 ሰነድ ጨረታ 30.00 ቕርሺ ብምኽፋል ካብ ወረዳ ቃፈታ ሑመራ ቤት ማዘጋጃ ወረዳ ማይ ካድራደጋፊ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 1 ብምቅራብ ምውሳድ ይከኣል።

7 ጨረታ 13/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ንጉሆ ይኽፈት።

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0343-323167 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo