ናይ 2010 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ንኣብያተ ፅሕፈት ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ጎማ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ናይ ሴክተራት መኪና መፀገኒ ገራዥ ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳድር ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ።ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

1 ብቢ ዘፈር ንግዱ ዝምልክተ ኮይኑ ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን

2 ቫት ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2010 ዓም ወርሒ ነሓሰ ወርሓዊ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ናይ መኪና ጎማ፣ መለዋወጢ አቅሑት መኪና ናይ ሴክተራት መኪና መፀገኒ ጋራዥ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ እንደርታ ቢሮ ቁፅሪ ክልተ ምዉሳድ ይከኣል

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ 4000 ቅርሺ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ 29/01/2011 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 14/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ታዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ዝሰዓረ ኣካል ዝፍለየሉ ንዝተሓተቱ ጠቅላላ ኣቑሑት ብዝተሓተተ ዋጋ IDM BY IDM ዘቅርብ ሰዓራይ ይኸውን።

9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ቅዳሕን ንንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስት ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ይግባእ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ ብተወሳኺ ድማ ሰነድ ጨረታ ዋንኡ ምስ ቅዳሕ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን እቲ ፖስታ ኣብ ላዕሊ ብባርከር ዓይኒ ዝተገዝአ ሰነድ ክፅሓፈሉ ክኽእል ኣለዎ።

10 እቲ ትካል ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0342-400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo