ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንትም/ቲ ንሴክተራት ግልጋሎት ትህብ መኪና ቲቤታ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኽዕሪ ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንትም/ቲ ንሴክተራት ግልጋሎት ትህብ መኪና ቲቤታ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኽዕሪ ይደሊ::

ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊዩ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

በዚ መሰረት ነቲ  ዝድለ ረቋሒታት ተጫረቲ

1 በቲ ዝተጠቐሰ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ዘለኩም::

2 ናይ 2007 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::

3 ቲን ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::

4 ናይ መቅረባይነት ሴርቲፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::

5 ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000( ሰለስተ ሽሕ ብር) ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ስፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል::

6 ናይቲ ሽያጭ ዝርዝር ደኩሜንት ዘይምለስ 50 ብር (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ/ስ/ዕ/ንብ/ምም/ርን ቁፅሪ 05 ምዉሳድ ይከኣል::

7 ካብ 4/10/07 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ደክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ኮፐፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩም ፈርማ ተገይሩሉ ክሳብ 19 /10/ 07 ዓም 8:00 ናይ ድ/ሰዓት ኣብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 05 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ይአቱ ::

8 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድቦንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::

9 እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እንተዘይኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ባንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኽዉን::

10 ሰዓራይ ዝተገለፀሉ  ግዜ ጀሚሩ ኣበ ዉሸጢ 5 (ሓሙሽተ መዓልቲ) ተከታተልቲ ዉዕሊ ዝአስር::

11 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 19 /10/ 07 ዓ/ም ድ/ሰዓት ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ 8:30 ተጫረቲ ባዕላቶም ወይ ሕጋዊ ወከለቶም አብዘለዉሉ ይክፈት::

12 ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፁ ቀሪቡ እንተዘይ ኣሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ ምኻኑ::

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት ከቅርብ ዝብል ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀፂዑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት እዉን የጓዓዕዝ::

14 ብመምርሒ መሰረት ኣብ ንብረት መጠን 20% ክንዉስክን ክንቅንስን ንክእል ኢና::

15 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

16 እትመልእዎ ዋጋ ምስ መፅዓኒኡን መራገፊኡን ይኸዉን::

                            ንዝበለፀ ሓበሬታ  0346670078 / 0914099601

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo