ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ አብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ናይ ቤት ምኽሪ ህንፃ ዲዛይን ስራሕቲ ኣማኽርቲ ትካላት ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደለየ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒ እተማልኡ ሕጋውያን ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቢሮ ኮንስራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ

1 ኣማኸርቲ ስነ ህንፃን ምህንድስናን ደረጃ 6 ልዕሊኡን ዝኾኑ

2 ኣማኸርቲ ስነ ህንፃ ኣማኸርቲ ደረጃ 6 ልዕሊኡ ዝኾኑ

3 ምህንድስና ኣማኸርቲ ትካላት ደረጃ 6 ልዕሊኡን ዝኾኑ

4 ሓፈሻዊ ኣማኸርቲ ምህንድስና ደረጃ 6 ከምኡ ውን ካፕቲሲን ፕሮፌሽናል ፍቃድ ዘለኩም ኣማኸርቲ ትካላት ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘለዎን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳን ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘቅርብ

5 ናይ ኣማኸርቲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም

6 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርቡ ዝኸእሉ

7 መኸበሪ ጨረታ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝተፈቀደሎም ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ 4000.00 ቅርሺ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

8 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 300.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ምውሳድ ይከኣል።

9 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ቴክኒካልን ፋይናንስን ሰነዳት ነንበይኑ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ናይ ስራሕ ኣማኸርቲ ዝተውሃበ ምዝገባ ካርድ ፣ፍቃድ ንግዲ ስራሕ፣ወረቀት ምስክር ፣ምዝገባ ንግዲ፣ምዝገባ መቅረባይነት ( ወረቀት ምስክር) ናይ ተወሳኺ አሴት ታክስ ወረቀት ምስክር ፣ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቐርቡ፣ውሕስና ጨረታ ዲድ ቦንድ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ብምዕሻግ ኣብቲ ልፅሊ ፖስታ ሽም ኣድራሻን ፊርማን ነቲ ጨረታ ተበባሂሉ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 191 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከሳበ 23/02/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ክተእትው ትኽእሉ።

10 እቲ ጨረታ 23/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዐለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ አብ ቢሮ ቁፅሪ 191 ይኽፈት።

11 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ቁ.ስልኪ 0344-408775 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo