ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል መኪና ፅገና ጋራዥ ሞተር ሳይክል ዕድጊትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ክፅግንን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም

2 መኪና ጋራዥ ፅገና ካብ ደረጃ 3ተን ልዕሊኡን ዝኾንኩም

3 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይንት ካርድ ዘለኩም

3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሓምለ ዲክሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ

4 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት24/01/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት09/02/2011 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 09/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

6 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ብር CPO ከትሕዙ አለዎም::

7 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎን::

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 5ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

9 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣታዊ ይገብር

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ብስ/ቁ 0344430357 ምሕታት ይከአል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo