ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሕርሻ ውቅሮ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንምምሃር ምስትምሃር ዝውዕሉ ቀወምትን ሃለቅትን ንብረታት ማለት መሳርሒ ፅሕፈት፣መድሓኒት እንስሳ፣ናውቲ ሕክምና እንስሳት፣ኤሌክትሮኒክስ፣ናውቲ ፅሬት፣ህንፃ መሳርሒ፣ኣቑሑት ማይ፣ኣቑሑት ገዛ፣መለዋወጢ ኣቑሑት መኪና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ ሕርሻ ዉቅሮ

1 2010/2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መረዳእታ ዘቅርቡ

2 ግብሪ መንግስቲ ከፋሊ ምዃኖም ዘረጋግፅ ንግብሪ ኸፈልቲ ዝተውሃበ መለለይ ቁፅሪ (ቲን) መረዳእታ ዘቅርቡ

3 ኣብ 2010/2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝኽእሉ

4 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌከትሮኒክስ፣መለዋወጢ ኣቑሑት መኪና፣ ናውቲ ፅሬት ንምቅራብ ዝወዳደሩ

5 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት ) ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡ

6 ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ/ም ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

7 ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00( ሰላሳ ) ቕርሺ ብምኽፋል ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሕርሻ ውቅሮ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናነስን ምምሕዳርን ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 23 ዝወዳደርሉ ዋጋ መሊኦም ኣብ ውሽጢን ኣብ ልዕሊ ፖስታን ሽሞምን ኣድራሻኦምን ፅሒፎም ፌርሞኦምን ማህተሞምን ብምግባር ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን በቢ በይኑ ብምግባር ክሳብ 06/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።

8 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 06/02/2011ዓ/ም ሰዓት 3:10 ቅድሚ ቀትሪ ኾይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸሉ ይኽፈት። እንተዘይሃልዮም ውን ኣብ ሳንዱቅ ዘሎ ፖስታ ይኽፈትን ይግምገምን።

9 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ ዝኸውን ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብሲፒኦ ምቅራብ ይከኣል። ንኤሌክትሮኒክስ 5000.00 ቅርሺ፣ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000.00 ቅርሺ፣ ንመለዋወጢ ኣቑሑት መኪና 5000.00 ቅርሺ ፣ ንናውቲ ፅሬት 3000.00 ቅርሺ ፣ንመድሓኒትን ንናውቲ ሕክምና እንስሳን ን ንህንፃመሳርሒን 2000.00 ቅርሺ ከቅርቡ ኣለዎም።

10 ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናይ ዘቅረበዎ ዋጋ ንብረት 10% ውዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ በሲፒኦ ኣትሒዞም ውዕሊ ብምእሳር አብ 10 ተኸታተሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መፅዓንን መጓዓዝያን መራገፍን እቲ ንብረት ናብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሕርሻ ውቅሮ ኣታዊ ክገብሩ ይኽእሉ።

11 እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ0344-430565 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo