ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ መኪናን ጎማን : ኣቐሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይግባእ

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

1 ናይ 2010/11 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክተቕርቡ ትክእሉ

2 ናይ 2010/11 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትክእሉ

4 ናይ ቫት ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትክእሉ

5 ናይ ወርሒ ሐምለ/ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ዴክሌር ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትክእሉ

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 21 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኩም መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ክተቕርቡ ትክእሉ

7 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር/ እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ኣብ ኮምፕሌክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 333 ካብ 22/01/2011 ዓ/ም ክሳብ 15/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ:

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 ሎት 2 ናይ መኪናን ጎማን ብር 4000 ብር ብ CPO ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ካልእ ከተትሕዙ ትኽእሉ

10 አብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ልዕሊ 5000 /ሐሙሽተ ሽሕ ብር/ ብር እንተኾይኑ ቫት 15% ኣብ ቢሮ ተቖሪፅዎ ኣታዊ ይኸዉን

11 እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን21 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

12 እቲ ጨረታ ዕለት 15/02/2011 ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

13 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ጨረታ አይተኣጓጎልን ወይም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን

14 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

15 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251344403447 ደዊልኩም ክትረክቡና ትክእሉ ምኻንኩም ንሕብር

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo