ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ቀዋሚ ንብረት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት

አደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ሓ/ዝ/ወ/ማ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2010 ዘለኩም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩምን ግብሪ ዝኸፈኩም

 2 ቲን ተመዝገብቲ ዝኾኑ

       

                   

       3 ብዝወፀ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን መሰረት ከተቅርቡ ትኽእሉ

4 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጠ 30 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል

5 ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ( ሓምሳ ቅርሺ) ከፊሉ ክዕድግ ዝኽእል

6 ጨረታ መኸበሪ 2% ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዝ ዝክእልን ንዝሰዓሮ ንብረት 5% ውዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእልን

7 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 01/10/2018 ኣ.ፈ ( 21/01/2011 ዓ/ም) ጀሚሩ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናነስ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ 3 ደብሪ ምውሳድ ይከኣል።

8 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 12/10/2018 ኣ.ፈ (02/02/2011 ዓ/ም) ሰዓት 6:00 ቀትሪ ኾይኑ ጨረታ ዝኽፍተሉ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋውያነን ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸውን።

9 ቫት ተመዝገቲ ዝኾንኩም ተጫረቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክላርስዮን ክተቕርቡ ትግደዱ ምዃንኩም ነፍልጥ።

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብ.ቁፅሪ 0342-405095/0342-405069

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo