ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸላዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማለኡ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ

1 መኸበሪ ጨረታ ብር 1000.00 ሓደ ሽሕ ( ሓደ ሽሕ ብር) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ከትሕዝ ዝክእል

2 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝኽእል

3 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ንብረት እንተዘይተወሲዱ ንመኸበሪ ጨረታ ዘተሓዞ መጠን ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።

4 ተጫረቲ እተቕርብዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ተመሊኡ ከቅርቡ ይግባእ። ንፁር እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ውድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ።

5 ንመሸጣ ዝተዳለወ ንብረት ናብ ኤጀንሲና ብኣካል ብምምፃእ ኩነታት እቲ ንብረት ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም።

6 ንመሸጣ ዝተዳለወ ዝርዘር ንብረት ካብ ኤጀንሲና ምውሳድ ዝክእሉ ኮይኖም ካብ ዕለት 18/01/2011 ዓ/ም - 28/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝረከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ደብሪ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይ ማእኸከላዎትን ማኑፋክቸሪንገ ኢንዱስተሪ ክልል ትገራይ (ዳይሬክቶራት ዕደጋ ፣ፋይናነስን ንብረት ምምሕዳርን) ክተቕርቡ ንዕድም።

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/01/2011 ዓ/ም 8:45 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፍት ኮይኑ ተወዳደርቲ እንተዘይተረኺቦም እውን ጨረታ ዝኽፍት ይኽውን።

8 ተወዳደርቲ ኣድራሻኦም ፣ ሽሞምን ሞባይል ቁፅሮምን ብንፁር ክመልኡ ኣለዎም።

9 ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-400009 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo