ኮሌጅ ንግስተ ሳባ ቴክኒክን ሞያን ዓድዋን ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበሉ በጀት ን ኮሌጅ ንምምሃር ምስትምሃር ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ መሳርሒ ህንፃ፣ናይ ኤሌክትሪካል ኢንዳስትሪ ፣ኣቑሑት አውቶሞቲቭ፣ መሰርሒ ፅሕፈት፣አቑሑት ፅሬት፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን፣ ኮስትራክሽን ተንከፍ ዓመታዊ ናይ መኪና ጋራዥ ፅገናን ናይ ስራሕ ዋጋን ከምኡ እውን መቀያየሪ ኣቑሑት መኪናን ዝተፈላለየ ቅርፂ ዘለዎ ኮብልስቶን ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ዓድዋ

1 ዝተሓደሰ ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ግብሪ ዝኸፈለን መለለይ ቁፅሪ ቲን ዘለዎ፣

2 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ካብ 21/01/2011 ዓ/ም ጀሚርኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግሰተ ሳባ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕቀባ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቁፅሪ 6 ዘይምለስ 50( ሓምሳ ቕርሺ) እናኸፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይከኣል።

3 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ዝሓለፈ ነሓሰ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝኽእሉ፣

4 ንመኸበሪ ቢድ ቦንድ ንመሳርሒ ህንፃ ፣ኤሌክትሪካል ኢንዳስትሪ ፣ዝተፈላለየ ቅርፂ ዘለዎ ኮብልስቶን ፣ንኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒአ ከቅርቡ ኣለወም።

5 ካብ ቤተ ፅሕፈት ትልመን ፋይናንስን ዝተውሃበ ናይ መቅርባይነት ምስክር ወረቐት ዝተሓደሰ ኾይኑ ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሎም መጓዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ሰነድ ጨረታ ክሳብ 05/02/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እተእትውሉ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀየሉ 05/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ዓ/ም ናይ ንመሳርሒ ህንፃ ፣ ኤሌክትሪካል ኢንዳስትሪ ፣ዝተፈላለየ ቅርፂ ዘለዎ ኮብልስቶን ፣ንኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ጨረታ ይኽፍት።

7 ኣቑሑት ኣውቶሞቲቭ ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቁሑት ፅሬት፣ኣቑሑት ኮንስትራክሽን ተንከፍ ዓመታዊ ናይ ጋራዥ ፅገናን ናይ ስራሕ ዋጋን፣ መቀያየሪ ኣቑሑት መኪናን 06/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 እዚ ሳንዱቅ ተዓሺጉ በተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ጨረታ ይኽፈት።

8 ንመኸበሪ ቢድ ቦንድ ኩሎም 3000.00 ( ሰለስተ ሸሐ ቅርሺ ) ኮይኑ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም።

9 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 60 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይኸውን።

10 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-788359/0921-616187 0342-710060 ምሕታት ይከአል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo