ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋይናንስን ኣብ 8.9 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ሳዕሪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝቐረበ ረቋሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

አካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ቲን ናምበር ዘለኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ክትቕርቡ ትኽእሉ

2 ተጫረቲ ኣካዳሚና ብዘቐመጦ ዝርዝር መግለፂ (specification) መሰረት ናይ ዋጋ መግለፂኹም ብዝተኣሸገ ኢንቨሎፕ ካብ ዕለት 14/01/2011 -21/01/2011ዓ/ም ሰዓት 9:45 ኣብ ዘሎ ናብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ።

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20.00 ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ደይሬክቶራት ዕደጋን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ካብ 14/01/2011 ዓ/ም -21/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:45 ኣብ ዘሎ ግዜ ብምግዛእ ኣታዊ ምግባር ትኽእሉ።

4 እዚ ግልፂ ጨረታ ዕለት 21/01/2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 9:45 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 10:00 ኣብ ኣካዳሚና ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ይኽፈት

5 መኸበሪ ጨረታ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ክትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ጠቕላላ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

7 ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራታይ አቲ ሳዕሪ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ዓፂዱ ከልዕል ኣለዎ።

8 ኣካዳሚና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401989 ምድዋል ይከኣል። 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo