ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ዝተፈላለየ ዓይነት ጎማን ባትርን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ኤጀንሴ ልምዓት ዳኣንት ምርግጋፅ ምግቢ ዉሕስና ከተማታት ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ (ቲን) ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝኽእል

3 ንተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ኮይኑ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ/ም ቫት ዲክላሬሽን ከቕርብ ዝኸእል

4 መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑ ሕጋዊ ምስክር ወረቀት ከቕርብ ዝኽእል

5 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ) እናኸፈሉ ካብ ኤጀንሲና ዳይሬክተራት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን 5 ደብሪ ካብ ዕለት 07/01/2011 ዓ/ም -21/01/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቕራብን ምውሳድ ይከኣል።

6 ዝቐረብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኡን ናይ መቅረባይን ሙሉእ ሽም ፣ናይቲ ትካል ኣድራሻ ፣ስልኪ ቁፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ምዃኑን ናይዚ ቤት ዕዮ ሽም ክሕብር ኣለዎ።

7 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 4000.00 (ኣርበዕተ ሽሕ) ንዝተፈላለየ ዓይነት መኪና ጎማን ባትርን ብር 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብሽም ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸላዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ናብ ዝተዳለወ ቤት ዕዮና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ደማ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከቅርብ ዝክእል

8 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዘኾነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዕዝያ ናብ ቤት ዕዮና ስቶር ክፍሊ በቲ ክፍሊ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ክቐርብ ዝኽእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት 22/01/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቕድሚ ሰዓት ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፐላኔት ሆቴል ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ደብሪ ኤጀንሲ ልምዓት ኣነእሽተይን ማእኸለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክተራት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳር) ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምረካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ ተዘይኾይኑ ቫት ከምዝሓወሰ ርዱእ ተገይሩ ይውሰድ።

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልቲ ይኸውን።

12 ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከምኣድላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል አዩ።

14 ሰዓራይ እቲ ዘቕረቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ወይ ዝምልከቶ ኣካል ተፈቲሹ ትኽክለኛነቱ ምስተረገገፀ ኣታዊ ይኸውን።

ንተወሳኺ ሐበሬታ ስ.ቁፅሪ 0342-400009 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo