ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልል መንግሰቲ ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ህንፃ ካብ ምድሪ ክሳብ 6ይ ፎቅ ዝርከቡ ክፍልታት አናእሽተይን ዓበይትን ኣዳራሻች፣መስኮት፣ወናብር፣መዓፁ፣ኮሪደራት በኣጠቃላሊ አቲ ግቢ ሓዊሱ ብግልፂ ጨረታ ንደቀቅትን ኣናእሸተይን አወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ዘኣክል ከምኩነታቱ ከናዋሕ ዝኽእል ኣውትኮርሰ(out cource) ናይ ፅሬት ግልጋሎት ፣ናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ።

ቤት ምክር ክልል ትግራይ

                   መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልአዎ ዝግባእ ብንግዲ ዘርፍኹም መሰረት

1 ዝተሓደሰ ናይ ዘመኑ ንግድ ፍቃድ ምዝገባ፣ኤጀንሲ ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሸተይን ናይ ብርኪ ትካል ዝገልፅ ሰርቲኪፌት ፣ቲን ናምበር ፎቶኮፒ ብምግባር ምስ ተቐርብዎ ዝርዝር ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን በፖስታ ብምዕሻግ ካብ 08/01/2011-22/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ህንፃ 2 ደብሪ ቁፅሪ 8 ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ናይ ቴክኒክ መወዳደሪን ፋይናንሻል መወዳደሪን ነንበይኑ ብፖሰታ ብምዕሻግ ከእትው ይግባእ።

2ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ CPO ወይ ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ካብ ዝተፈቀደሎም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ናይ 5000.00 ብር ኣሰሪሒኹም ክትቐርቡ ይግባእ።

3 ዋጋ ዝመለኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ንሕድሕድ ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ብር) ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 08/01/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/01/2011 ዓ/ም ምእታው ይግባእ።

4 ተቅርብዎ ዝርዝር ዋጋ ጠቅላላ ናይ ዓመትን ወርሕን ተፈልዩ ክቐርብ ኣለዎ።

5 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 22/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተዓሺጉ በዚ ዕለት ሰዓት 9:30 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለውሉ እንተዘይቐሪቦም እውን አብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኸሪ ክልል ትግራይ ህንፃ 2 ደብሪ ቁፅሪ 8 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኸፈት።

6 ተጫረቲ ኣብ ዝተወዳደርሉ ናይ ፅሬት ግልጋሎት ስራሕ ሰዓራይ ምኻኖም ምስ ተነፀረ 10% ሲፒኦ ብምትሓዝ ውዕሊ ድሕሪ 3 መዓልቲ ክእሰር ይግባእ እዚ ንዘይተግበረ ዘትሓዞ ሲፒኦ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

7 ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልትታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን ።

8 ድሕሪ ሰዓርቲ ምንፃር ቅሬታ ዘለኩም ተጫረቲ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ጥርዓንኩም ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ህንፃ 2 ደብሪ ቁፅሪ 8 ብፅሑፍ ወይ ብቃል ክተቕርቡ ትኽአሉ ምኻኖም

9 ቤት ፅሕፈትና ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘውፅእ ግልፂ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

            ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-416570  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo