ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሎሚዘበን ንዝበዓል ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ንተጉዓዝቲ መጓዓዝያ ዝኸውን መኪና 60 ሰብ ዝሓዛ 3 ኣውቶብስን ሓንቲ 15 ሰብን ትፅዕን ሃይሩፍን ክካረይ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ኢጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ

                                               ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይን መፍለይ ቁፅሪ (Tin Number) መረጋገፂ ዘቅርቡ

2 ካላውዶ ዝገበረት

3 ኢንሹር ዝኾነት

4 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 08/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ምውሳድ ይከኣል

5 እቲ ጨረታ ዕለት 08/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ዕለት 22/01/2011 ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕፀው።

6 ጨረታ ዕለት 22/01/2011 ሰዓት 9:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት።

7 ነታ መኪና ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ዘቅርብ

8 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

9 ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ንክተእትው ንሕብር።

ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ቶ ደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀዳማይ ደብሪ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ0344-400177 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።  

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo