ቤት ፅሕፈት ምም/ር ዞባ ደቡብ ናይ መኪና ጎማን ፊልትሮታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ሕጋዊያን ነጋዶ ዘኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም::

ቤት ፅሕፈት ምም/ር ዞባ ደቡብ

                         ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ምም/ር ዞባ ደቡብ ናይ መኪና ጎማን ፊልትሮታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ሕጋዊያን ነጋዶ ዘኾንኩም ክትወዳደሩ ይዕድም::

ተጫረቲ ከማልአዎ ዝግባእ

1 በቲ ዘፈር ንግዲ ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲን ቲን ናምበር ክቕርብ ዝክእል::

2 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ::

3 ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኹም ጥራሕ ትወዳደሩ ትኽእሉ::

4 ቫት ተመዝገብቲ ዝኾነ ኣብ ክልተ ወርሒ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል::

5 መክበሪ ጨረታ ብር 3000 ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዝ ዝኽእል::

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 3000 ብምክፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ካብ ዕለት 01/10/2007 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዞባ ደቡብ ምምር ቤት ፅሕፈት ማይጨዉ ቢሮ ቑፅሪ 74 ምዉሳድ ይከኣል::

7 እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 12/10 /2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ አበ ዞባ ትግራይ ምም/ር ቤት ፅሕፈት ማይጨዉ ቢሮ ቑፅሪ 74 ይኽፈት::

8 ጨረታ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሒሉ ብ 2 ፖስታ ተዓሺጉ ከቅርብ አለዎ::

9 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐወ እዩ::

11 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 45 መዓልቲ ይኸዉን::

12 ዝሰዓረ ተጫራታይ ናብ ዞባ ደቡብ ቤት ፅሕፈት ምም/ር ማይጨዉ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣታዊ ይገብር::

13 ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 5 መዓልቲ ዉሽጢ ሰዓራይ ዉዕሊ ክአስር ዝኽእል::

14 ናይ ዉዕሊ ጨረታ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ መጠን 10% ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅምጡ ዝኽእሉ::

15 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0347770868 ብስራሕ ሰዓት ምሕታት ይከኣል::

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo