ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዳባ ጉና ኣብ 2011 በጀት ዓመት ብመንግስቲ ዝተመደበ ስርዑ በጀት ንዝትፈላለዩ አገልግሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት መሳርሒ : ህንፃ ኣቅሑት ብረታ ብረት ኣቅሑት : ኤሌክትሪክ ኣቅሑት: ፅሬት ኣቅሑት : ሳኒተሪ እንስታሌሽን : ክራይ አገልግሎት ሰርቪስ መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ክካረይን ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን እንዳባጉና

1 ናይዚ ዘበን ግበሪ ከፊሉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

2 ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገበን ናይዚ ዘበን ዘሐደሰ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግበሪ ዘለዎ

3 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ናይ ወርሒ ሐምለ 2010 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርበ ዝክእል

4 ንኪራይ አገልግሎት ሰርቪስ መኪና ድማ ሌብሬ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪን ናይዚ ዘበን ግብሪ ከፊሉ ዘሐደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን ከምእዉን አንሹራንስ ዝአተወ ከቅርበ ዝክእል

5 ዝተማለአ ሰነድ ጨረታ ዋና ናይ ተደለይቲ ረቆሒ ቅዳሕን ብፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል

6 ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ድማ ኩሉም ዋና ሰነዳት ሒዝኩም ብምምፃእ ክተርእዩ እትክእሉ

7 ኣብ እትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይምግባር ኣብዘይ ዘፈርኵም ዘይምውድዳር

8 ብዝተነፀረ ስፔስፊኬሽን ማለት እዉን መዓቀኒ ዝርዝር ረቆሒ ፅሪየቱ መሰረት ክተቅርቡ እትክእሉ

9 ዋና ማለት እዉን ኦርጅናል ዝብል መግለፂ ኣብ ዝተዉሃቦም ኣቅሑት እቲ ኮሌጅ ፅርቶም ዝኣመነሎም ኣቅሑት ጥራሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

10 ተጫረቲ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት: ንኣቅሑት ብረታ ብረት : ንኣቅሑት ሳኒተሪ እንስታሌሽን ንነብስወከፍ 5000 ቅርሺ: ንኣቅሑት ፅሬት : መሰርሒ ፅሕፈት : ንኣቅሑት ኤሌክትሪክን : ንኪራይ ሰርቪስ መኪናን ንነብስወከፍ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብቅርሺ ክተትሕዙ አለኩም

11 ተጫረቲ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚርኩም ንነብስወከፍ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ መዓልቲ ካብ ካሌጅ ቴክኒክን ሞያን እንዳባ ጉና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ንነበስወከፍ ዋጋ ዝርዝር ብምምላእ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን እናዳባጉና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ አታዊ ክትገብሩ ትክእሉ

12 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 8 መስከረም 2011 ዓም ክሳብ 23 መስከረም 2011 ዓም ኣብ ዘሎ ሰዓት ኮይኑ እቲ ጨረታ 23 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፀዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን እናዳባጉና ብግልፂ ይክፈት

13 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 45 መዓልቲ ኮይኑ መቅረባይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝተዉሃበሉ ማዕልታት ፅርየት ዘለዎም ንብረት ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን እናዳባጉና ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ኣጎዓዒዙ አታዊ ክገብር ዝክእል

14 ኣብዚ ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ዘትሕዝን ተጫረቲ እትመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

15 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

16 እቲ ኮሌጅ እንተኣሚንሉ ካብ ነብስ ወከፍ ኣቅሓ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914781384 / 0914781076

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo