ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ፅሕፈት መሳርሒ : ኣዉቶ ሞቲቭ : ኮምፒተርን ተዛመድትን : ኤሌክትሮኒክስ : ኤሌክትሪክ : ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃን ብብርኪ ክልል ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ

1 ናይ 2010 ወይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉን

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/ VAT ዝተመዝገብኩም: VAT ምዝገባ ሰርተፈኬትን ናይ ወርሒ ነሓሰ VAT ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን::

4 ናይ 2010 ወይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ አብ ሑመራ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ክትቕርቡ እትኽእሉ::

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ : ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፌርማን ዝዓርፎ ክኸዉን አለዎ::

7 ዋናን ቅዳሕን ብምባል ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺግኩም ክተቅርቡ ይግባእ

8 ተጫረቲ ንነብስወከፍ ዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ብሽም ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ናብ ዝፈለጥ ቁፅሪ ሒሳብ 1000080353352 ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዩጳያ እናከፈሉ ቅበሊት ባንኪ ማለት እዉን ኣድቫይስ ብምሓዝ ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ቢሮ ቁፅሪ 6 ከምእዉን ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 333 መቐለ ካብ 7 መስከረም 2011 ዓም ክሳብ 21 መስከረም 2011 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ እናመፁ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ይክእሉ

9 ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ መከበሪ ጨረታ ንመሳረሒ ፅሕፈት 4000 ቅርሺ ንኣዉቶሞቲቭ 4000 ቅርሺ ንኦሌክትሮኒክስ 3500 ቅርሺ ንኮምፒተርን ተዛመድትን 8000 ቅርሺ ንኤሌክትሪክ 15000 ቅርሺ ንመሳርሒ ህንፃ 20000 ቅርሺ ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብጥረ ገንዝብ ወወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብሽም ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣስሪሖም ከትሕዙ ይግባእ

10 እቲ ጨረታ 22 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን 4ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 333 መቐለ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

11 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እተ ኮሌጅ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0344 480510/11 ወይ ድማ ብሞባይል 0945105124 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo