ኤጀንሴ ልምዓት ኣናእሽተይ ማእከለዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪን ክልል ትግራይ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ መኪና ጎማን ባትሪን ብብርኪ ክልል ብግለፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእከሎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳሰትሪ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ /TIN/ ሰርተፊኬት ከቕርብ ዝክእል

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገበ ኮይኑ /VAT/ ምዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2010 ዓም VAT ድክላሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ንዝትዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ ዘትምለለስ ብር 30 እናከፈሉ ካብ ኤጀንሲና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 10 ካብ ዕለት 7/01/2010ዓ/ም ክሳብ 21/01/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

6 ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ ነንበይኑ ብሸምዒ ብዘተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ላዕሊኡ ናይ መቅረባይ ሙሉእ ሽም ናይቲ ትካል ኣድራሻ ስልኪ ቝፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኻኑን ናይዚ ቤት ዕዩ ሽም ክሕበር አለዎ

7 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 4,000.00 / ኣርባዕተ ሽሕ/ ንዝተፈለለዩ ዓይነት ናይ መኪና ጎማን ባትሪን 5000 ብር ብሽም ኤጀንሴ ልምዓት ኣናእሸተይ ማእከለዎት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዩ ጨረታ ሳንዱቅ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከቅርብ ዝክእሉ::

8 አብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ ዝስዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ዕዩና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

9 እቲ ጨረታ ዕለት 22/1/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቕድሚ ቐትሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 አብ ክፍለ ከተማ ቅድሚ ሰዓት ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝረከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ደብሪ ኤጀንስ ኣናእሸተይን ማእከለዎት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጓጎልን

10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክኸዉን አለዎ ተዘይኾኑ ቫት ከምዝሐወሰ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን

12 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ኤጀንሲና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከምአዳላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቐሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ ይክእል እዩ::

14 ተጫረቲ ካብቲ ዝተዉሃበ ስፔስፌከሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን

15 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብባዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን

መተሓሳሰቢ ንተወሳኪ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342400009 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo