ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ስልጠናን ነጋ ገ/ዝጋብሔር ዕዳጋ ዓርቢ ንምምሃርን ምስትምሃርን ግልገሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ቀወምትን ሃለቅትን ንብረታት ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ መሰረት ድማ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ነጋ ገ/ኣበሄር ዕ/ዓርቢ

ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት : ኤሎክትሮኒክስ : ኣቁሑ  ፅሬት

   ሎት 2 መሳርሕታት ህንፃ ጣውላን ሓፂንን

ሎት 3 ኣቁሑ ኤሌክትሪክ ካልኦት ንብረታትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን መቅረብቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም።

ናይ ጨረታ መምርሒ

1 ናይ 2010ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈለን ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን

2 መለለይ ቁፅሪ ኸፋላይ ግብሪ ዘለዎም ዝተሓደሰ ወረቐት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝኽእል

3 ተወሰኺ እሴት ታክስ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ይዅን ኣብ እዋኑ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይ CPO ክትሕዝ ዝኽእል ሎት 1. ብር 5000.00(ሐምሹት ሽሕ ቅርሺ) ሎት 2. ብር 5000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ሎት 3. ብር 5000.00(ሐሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ክትሕዝ ዝኽእል

5 ንኹሎም ዓይነታት ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 ብምኽፋል ከብ ክ/ስ/ዕ/ፉ/ን/ምም/ርን ቁፅሪ ቢሮ 9 ካብ ዕለት 05/01/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 25/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 6.00 ምውሳድ ዝከኣል ምኻኑ

6 ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ምስ ተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ ።ድሕሪ ውዕሊ ምእሳሩ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10ተ ናይ ስራሐ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያን መራገፍን ፅሬቱ ብቴክኒክ ኮምቴ ምስተረጋገፀ ናብ ነይ ኮሌጅናን መኽዚን ጠቅሊሉ ምስ ኣረከበ ክፍሊት ዝፍፀመሉ ይኸውን።

7 ሰዓረቲ ጨረታ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ዋጋ 10%ውዕሊ መኽበሪ ክትሕዙ ዝኽእሉ

8 ኣብቲ ዝርዝር ጨረታ ቅሬታ ኣለኒ ዝብል ተወዳዳራይ ኣሸናፊን ተሸናፊን ድሕሪ ምግላፁ ኣብ ውሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቕርብ ኣለዎ

9 ኣብ እዋነ ጨረታ ነቲ ጨረታ ዘዛብዐን ከዛብዕን ዝፈተነ ብሕጊ ተሓተቲ ይኸውን።

10 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ኣብቲ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልኡን ስርዝ ድልዝ ዘይፍቀድ ምካኑን ብዘየሻሚ ግልፂ ብዝኾነ ክፅሓፍ ከምዘለዎ ብተወሳኺ እውንንኹሎም ሰነዳት ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቐርብ ኣለዎ

11 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኾነ ይኹን ተጫራታይ ካብቲ ጨረታ ዓርሱ ከግልል ዘይኽእል ምኻኑ

12 አዚ ጨረታ እዚ ዕለት 25/01/2011 ዓ.ም ሰዓት 6.00 ቅድሚ ቀትሪ በቲ ዕለት ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8.00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

13 ኮሌጅና ጨረታ ምስ ተኸፈተ ከም ኣድላይነቱ ነይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክውስኽን ክቅንስን ዝኽእል ምኻኑ

14 ኮሌጅና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-460314 ወይ 0343-460023 ምሕተት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo