ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንኣብያተ ቤት ፅሕፈቱ ወረዳ ዓደዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ናዉቲ ፅሬት : ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ : መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ብስክሌት : ሕትመት: ጎማ መኪና : ስሚንቶን መሳርሒ ህንፃን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ

1 በበዚ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2010 ዓም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል

5 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን

6 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 4000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ተጫረቲ ብሓባር ይኩን ብወልቀ ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዝተኣገዱ ክኮኑ የብሎምን

8 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ እነዳከፈልኩም ምዉሳድ ትክእሉ

9 ኣብ እዋን ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ጨረታ ምስታፍ ዝክእሉ ኮይኖም ተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

10 ዉፅኢት ጨረታ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ብምልጣፍ ነፍልጠኩም ይከዉን

11 ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈት 29 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 3:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ንጉሆ ይክፈት

12 ጨረታ ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ 29 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 8:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ንጉሆ ይክፈት

13 ጨረታ ናዉቲ ፅሬት 29 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 10:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 10:30 ንጉሆ ይክፈት

14 ጨረታ መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ብስክሎት 30 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 4:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ንጉሆ ይክፈት

15 ጨረታ ጎማ መኪናን ሕትመትን 30 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 8:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ንጉሆ ይክፈት

16 ጨረታ ስሚንቶን መሳርሒ ህንፃን 30 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 10:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 10:30 ንጉሆ ይክፈት

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347712321 ወይድማ 0347712160 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo