ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዩ አገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ቀለልትን ሃለቅትን ኣቅሑት : ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት መለዋወጢ ባትሪን ጎማን መኪናን ሞተርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ

1 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ 2011 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑን መለለይ ቁፅሪን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መሳርሒ ፅሕፈት ቀለለትብ ሃለቅትን ኣቅሑት 50 ቅርሺ : ኣቅሑት ፅሬት 20 ቅርሺ : ናይ ባትሪን ጎማን መኪናን 50 ቅርሺ : ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተርን 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሐ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኬዝ ቲም ዕደጋ ቁፅሪ 10 ሰነድ ጨረታ ካብ 5 ምስከረም 2011 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል

3 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ 21 መስከረም 2011 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ኮይኑ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

4 ዝምለስ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና ወይድማ ቢድቦንድ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ቀለለትን ሃለቅትን ኣቅሑት 5000 ቅርሺ : ኣቅሑት ፅሬት 2000 ቅርሺ : ንመለዋወጢ ባትሪን ጎማን መኪናን 5000 ቅርሺ : ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል ሞተርን 3000 ቅርሺ ብብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብንፁር ናይ ሐደን ጠቅላላ ዋጋን መሊእኩም ክሳብ 21 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ናብቲ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ትክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ድማ ማሕተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ

7 ተጫረቲ ካበ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ጨረታ ምስዓሮም ካብ ዝፈለጥሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር በቲ ዝተኣዘዘ ዝርዝር መዓቀኒ በዝሕን ፅሬትን ከረክቡ ዝክእሉ

8 ቤት ፅሕፈትና ካብ ዝቀረበ ዝርዝር ዓይነታት ንብረት ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል ብተወሳኪ ክሳብ 20 ሚእታዊ ኣብ ዉሽጢ 3 ወርሒ ክዉስክ ይክእል

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0346680319 0346680276 0346680336 ፋክስ 0346680451 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo