ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሁመራ ካብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንሆስፒታል ግልጋሎት ዝዉዕል መለዋወጢ አቁሑ መኪና አቁሑ ጀነሬተር ኤለክትሪክ ማይ ቡንባ መሳርሕታት ህንፃ አቁሑት ገዛ መሳርሕታት ፅሕፈት መሳርሕታ ፅሬት ቢሮ መገልገልን ኮምፒተርን ተዛምድቲ ብሮድካስቲንግ መፈነዉን መቀበልን ብኤለክትሪክ ዝሰርሑ ናይ ቢሮን ገዛን አቁሑ ደንቢ ክዳን ሸቀጣሸቀጥ ጥረምረ አሕምልትን ፍራምረን ግልጋሎት ገራጅ ግልጋሎት ስፌት ዓለባ ፅገና ኤሲን ፍርጅን ፅገና ኮምፒተርን ተዛመድትን ስርሕቲ ሕትመት አቅርቦት ስጋ ምድላዉ ባልትና ባንን እንጀራን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሁመራ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2010 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግበሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉ 

3 ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ 

4 አቁሑት መለዋወጢ ጀነሬተር ስፌት ዓለባ ባንን እንጀራን ኣሕምልትን ፍራምረን ፅገና ጀነሬተር ፅገና ኮምፒተረን ኤሲን ቫት ምዝጉባት ዝኮኑን ቫት ኣይድልን ንእንጀራ ዳቦ ስጋ ጥረምረ ባልትና ፅሬት መሳርሒ ኣሕምልትን ፍራምረን ሸቀጣ ሸቀትን ካብ ድአንት ድጋፍ ደብዳብ ክተቅርቡ ትክእሉ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ 

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርክምዉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ናብ ሆስፒታል ዋጋ ብዘይምቅያር ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ 

8 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ስምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

9 ሰነድ ጨረታ ዝርከበለን ዝካየደሉን አታዊ ዝኮነሉ ቦታ ጋራጅን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ይከወን 

10 ተጫረቲ ንእትወዳደርሉ ነብስወከፍ ዓይነት ዘይምለስ 25 ቅርሺ እናከፈልኩም ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካህሐሳይ አበራ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 163 ካብ 30 ነሓሰ 2010 ዓም ክሳብ ክሳብ 16 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 1100 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

11 ተጫረቲ ንእትወዳደሩ ነብስወከፍ ዓይነት መከበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ክተትሕዙ ትክእሉ 

12 2 ሚእታዊ ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ 

13 ጨረታ 18 መስከረም 2011 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንምግቢ አቅሑት ቢሮ ሕትመትን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ይክፈት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ

14 እቲ ሆስፒታል ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:: 

15 ጨረታ ምስተከፈት እቲ ሆስፒታል ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ናይ ምውሳክን ወይ ምቅናስ ይክእል 

16 ተጫረቲ እተቅርዎ ንብረት ብፅሬት ኮሜቲ ተፈቲሺ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይክፈት 

17 ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ዋና መረዳእታ ሒዞም ክርከቡ አለዎም ተጫረቲ ንስ ቤት ዕዩ ዝገብርዎ ርክብ ብፅሑፍ ክከዉን አለዎ 

18 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ንእትመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐዘ ምካኑ ተዘይኣመልኪቱ ዝመለእክምዉ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተሓዊሱ ከም ዝተመለአ ይዉሰድ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ሰነድ ጨረታ ይመልከቱ ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344481035 / 480011

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo