ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኩሓን ንቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኩሓ

1 ዝተሐደሰ ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ : መቕረባይነት ምዝገባ : ቲን ናምበር ኸቕርብ ዝኽእል

2 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውፀአሉ ዕለት 24/12/10 ዓ/ም ክሳብ 3/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ቁፅሪ 6ተ ምዉሳድ ዝካአል ኮይኑ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዕፀወሉ ዕለት 4/01/2011 ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 4/01/2011 ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ንዘትሐዝዎ ገንዘብ 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ብናይ ስፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል

4 መግዝኢ ጨረታ ሰነድ ንኩሎም ብር 30.00

5 ንኩሎም ዓይነት ጨረታ ኣቅሑት ተወዳደርቲ ቫት ዝተመዝገቡ ዘይተመዝገቡ ኮይኖም ቫት ንዝትመዝገቡ ናይ ሐምለ ወርሒ ዲክሌሽን ከቅርቡ ዝክእል

6 ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናልን አብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ሐደ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካኣል

7 ተጫረቲ ወይ ከዓ ወኪላት ብዘይ ምቕራቦም ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣናቐፍን ወይ ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን::

8 ተጫረቲ ሽም ኣድራሻ ክታምን ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ

9 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ አለዎ

10 ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20 % ናይ ምዉሳክን ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

11 እቲ ቤት ዕዩ ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ስፐስፊኬሽን መለክዒ ካልእ ዝኮነ ዓይነት መስተካከሊ ምግባር ኣይከኣልን

12 ትራንስፖርትን ዝምልከት ባዕሉ ሰዓራይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ክፍለ ከተማ ኩሓ ብዉዕሊ መሰረት ንብረቱ ኣታዊ ይገብር

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

14 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914702652 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo