ቤት ፅፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንዝተፈላለዩ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

1 በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ዘለኩም::

2 ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::

 3 ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::

 4 ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::

5 ናይ ወርሒ ሓምለ ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::

 6 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::

7 ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000(ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል::

8 ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 50 ብር (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከአል

9 ካብ 25/12/2010ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 01 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::

10 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 8/1/2011 ዓም 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ይከፈት

11 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::

12 እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::

13 ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንበረት ኣታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይተገበረ ንብረት ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀዒዑ እቲ ዝሰዓሮ ንበረት ኣታዊ ይገብር

14 ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5(ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል ዝአስር

15 ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት መከበሪ ጨረታ ዝቅፃዕ ምኻኑ ::

16 ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን ኣብ ወረዳ ሓዉዜን ትልምን ፋይናንስ አጎዓዒዙ ዘቅርብ

17 ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን ፅሕፈት መሳርሒ 20 % ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ብፍላይ ኣብ ቀለም እስክርፒቶ ደጊፉ ከቅርብ ዝክእል ክክዉን አለዎ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0346670078

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo