ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርዒ ለከ ንአገልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት እታ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ኣቅሑት ፅሕፈት : መሳርሒ ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ቢሮ : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ከምእዉን መለዋወጢ ኣቅሑትን ጎማን ተሽከርከርቲን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድይ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርኢ ለኸ

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ 2010 ዓ/ም ፍቓድ ንግዶም ቢቲ ዘርፉ ዘቅርቡን ዘሐደሱን ክኮኑ አለዎም

2 ተጫረቲ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡን ኣብ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪኦም ብጥረ ገንዝብ 3000 ብር ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተኣወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም

7 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 ዝተዳወ ሰነድ ጨረታ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ ዕለት 24/12/2010 ጀሚሮም ክሳብ 4/01/2011 ዓም ካብ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወርዒ ለከ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ዘይመለስ በቢዘፈሩ 30 ብር ብምኽፋል ምዉሳድ ይኽእሉ

9 ጨረታ ዕለት 4/01/2011 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 4/01/2011 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ዝኸፈት ይኸዉን

10 ጨረታ ምስተኸፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን20 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልታት ጥራሕ እዩ

11 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቕሓ መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይኽእል

12 ፅሬት ኣቕሑት ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተነፀረ ብሳምፕል ወይ ኦርጅናል ኣቐሓ ብባዓል ሞያን ብኮሚቴን ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይኸዉን

13 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 03 43 46 02 82 ወይ 03 43 46 00 88 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo