ንካልኣይ ግዜ ትካልና ማይጨዉ ፓርቲክል ቦርድ ኃ.ዝተ.ዉ.ል ኩባንያ ጠቅላላ 11500 ሜትሮ መንገዲ ንምፅራግ ስለዝደለየ ካብ 305 ንላዕሊ ናይ ፈረስ ጉልበት ዘለዎ ዶዘር ማሽን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ

ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

ትካልና ማይጨዉ ፓርቲክል ቦርድ ኃ.ዝተ.ዉ.ል ኩባንያ ኣብ ወረዳ ኦፍላ ሳይት ግራብቁፅ ንዉሓቱ ዝስራሕ መንገዲ 5500 ሜትሮ ኮይኑ እቲ ዶዘር ካብ ማእከል ከተማ ማይጨዉ ብሎቤድ ተፃዒኑ ዝጉዓዝ ንዉሓቱ ኪሜ 45 ብዘይሎቤድ ናብ ሳይት ዝጎዓዝ ኪሜ ድማ 17 እዩ ብተወሳኪ ኣብ ወረዳ እንደመኮኒ ሳይት ዓዲ ኣናቦ ድማ ዝስራሕ ንዉሓቱ መንገዲ 5000 ሜትሮ ኮይኑ እቲ ዶዘር ካብ ማእከል ከተማ ማይጨዉ ብሎቤድ ተፃዒኑ ዝጎዓዘሉ ንዉሓት ኪሜ 14 ኮይኑ እቲ ዶዘር ብቀጥታ ኣብቲ ሳይት ይጅምር ትካልና ጠቅላላ 11500 ሜትሮ መንገዲ ንምፅራግ ስለዝደለየ ካብ 305 ንላዕሊ ናይ ፈረስ ጉልበት ዘለዎ ዶዘር ማሽን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ

ስለዝኮነ አብዚ ጨረታ ክትሳትፉ ትደልዩ ናይ ዶዘር ማሽነሪ መካረይቲ እዚ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩን ን 10 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ማይጨዉ አብ ዝርከብ ኩባንያ ወይድማ መቐለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ንፊት አብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 100 ምስ ቫቱ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ

1 ተጫረቲ ሕጋዊ ዝኮነ በዚ ዘርፊ ፈቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈለን ዝሐደሱን ክኮኑ አለዎም ነዚ ንምርግጋፅ ኦርጅናል ኮፒን መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

2 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

3 ተጫረቲ ናይ ንግዲ ምዝገባ ቀፅሪ ወይድማ TIN No ከህልዎም አለዎ

4 ተጫረቲ ብፖስታ ዝተዓሸገ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ብር 10,000 ጨረታ መክበሪ ከትሕዙ ይግባእ

5 ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ብር 100 ብምክፋል መቐለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ንፊት ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ወይድማ አብ ከተማ ማይጨዉ ቀበሌ 04 ዝርከብ ኩባንያ ኣብ መምርሒ ፋይናንስ መፂእኩም ምዕዳግ ዝክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ሰኑይ ዕለት 30/12/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ በዚ ዕለት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪል ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ መቀለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ለፊት ኣብ ዝርከብ ኩባንያና ይክፈት::ትካልና ጨረታ ኣብ ዝክፈተሉ እዋን ተጫረቲ እንተዘይተረኪቦም አብዘየለዉሉ ናይ ምክፋት መሰል አለዎ

7 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ዶዘር ማሽን ነቲ ስራሕ ንምስራሕ ብቅዓት ዘለዎ ክከዉን አለዎ

8 ሰዓርቲ ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዶዘር ማሽን ብናይ ባዕሉ ትረንስፖርት ወፃኢ ናብቲ ዝተጠቀሰ ናይ ስራሕ ሳይት የጎዓዕዝ ስራሕ ምስ ወደአ ድማ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ወፃኢ ይምልስ

9 ኩባንያ ነዚ ጨረታ ብክፋል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቴልፎን 0347771259 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo