ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ናይ ህንፃ መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ማሕበር መናእስይ ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዘመኑ ዝሐደስኩምን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

3 ቫት ወይ ቲኢቲ እንተኮይኖም ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬት ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

4 መክበሪ ጨረታ ብረ 3000.00ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::

5 ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 16/12/2010 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/12/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትግራይ ይኽፈት

6 ሰነድ ጨረታን አፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ምም/ር ካብ ካሸር 20ብር እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 16/12/2010ክሳብ ዕለት 30/12/2010 ሽም"ኣድራሻ ፌርማ"ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::

7 አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከምዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ

8 አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝ ሆልዲንግ ዝኸፍል::

9 ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን

10 መ/ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 ኣብ 03 ቀበሌ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣታዊ ዝገብር

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo