ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ወረዱ ንዘለዋ አብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ኣናእሽተይ ናይ ኣቁሑት ቢሮ : ኣቁሑ ፅሬትን : ኤሌክትሮኒክስን : ናይ ሕትመት ስራሕትን : መለዋወጢ አቁሑት ጎማ ባትርን መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከዕድግን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ

1 ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

2 ዝተሐደሰ መቅርባይነት ናይ 2010 ዘለዎ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎ 4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘተመዝገበን ዝኮነ

5 ናይ ሓምለ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ

6 ሰነድ ጨረታ ካብ ወረዳ መረብ ለከ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ኬዝ ቴም ዕደጋ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

7 ናይ ጨረታ ፖስታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ናይ ፅሬት መሳርሒ ኣቅሑት 3000 ቅርሺ ንዝተረፉ ግን 5000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

8 ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ኣጎዓዒዙ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ንብረት ክፍሊ አታዊ ዝገብር

9 እቲ ጨረታ 9/ 1/ 2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 9/ 1/ 2011 ዓም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ መረብ ለኸ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ኬዝ ቲም ዕደጋ ይክፈት ተጫረቲ ወይ እዉን ሕጋዊ ወከልቶም ብዛይ ምህላዎም ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

10እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0345550125 /0345550672 ደዊልኩም ሕተቱ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo