ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሹም ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንኣብየተ ፅሕፈት እቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክተሮኒክስ : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና: መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል : ኣቅሑት ፈርኒቸር : ኣቅሑት ፅሬት : ጉልበት ዋጋ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ሕትመት : ዕጥቂ ስፖርትን : ጉልበት ዋጋ ፅገና ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

1 ናይ መሳርሒ ፅሕፈት : ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ንኣቅሑት ፈርኒቸር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገብን ናይ ወርሒ ሓምለ ናይ 2010 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2010 ዓም ን ናይ 2011 ዓም ከቅርብ ዝክእል

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምክስር ከምእዉን መለለይ ቍፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ጋንታ ኣፈሺም ደጋፋ ከይዲ ስራሕን ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ይከኣል

5 መከበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ : ንመላወጢ ኣቅሑት መኪና : ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ :ንኣቅሑት ፈርኒቸርን 5000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም ንጉለበት ዋጋ ፅገና ሞረት ሳይክል : ንኣቅሑት ፅሬት 3000 : ንጉልበት ዋጋ ፅገና ኤሌክትሮነክስ : ንኣቅሑት ሕትመት : ንዕጥቂ ስፖርት ድማ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ እዉን ብሰፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተዉሃበ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዝ ዝእክል

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፅ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ኮይኑ እቲ ጨረታ ካብ 14 ነሓሰ 2010 ዓም ጀሚሪ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

8 ሳንዱቅ ጨረታ 3 መስከረም 2010 ዓም ሰዓት 8:00 ድሐሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 3 መስከረም 2010 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝን ወፃኢን ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ጋንታ አፈሹም ከቅርቡ ይግብእ

10 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን ከምእዉን ንዝወሰድዎ መወዳደሪ ሰነድ ዋላ ሓንቲ ከይ ኣጉደሉ ንነብሰ ወከፍ ማህተም ክታምን ክዕርፍሉ ይግባእ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo