ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ካብ ስሩዕ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንናይ ወረድኡ ኣብያት ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕል መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና : ናይ መኪና ጎማ ምስ ካላማደሪኡ ባትሪኡን : መሳርሒ ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ቢሮ : መሳርሒ ፅሬት : ስፖርት ዕጥቅን ፎቶ ነዳዲ መትሓዝን አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነት ወረቀት ምስክርን ዘለኩም

2 ቲን ናምበር ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተመዝገበቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ሰነ 2010 ዓም ወርሓዊ ሒሳብ ዝዓፀክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ ኮይኑኩም ንስፖርት ዕጥቅን : ፅሬት መሳርሒን ፎቶን ግና ቫት ኣይግደድን

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 11/12/2010 ዓም ክሳብ 26/12/2010 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንሎት ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

5 ሎት 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ንብረት ሎት 2 ጎማን ባትሪ ሎት 3 መሳርሒ ፅሕፈት ሎት ኤሌክትሮኒክስ ሎት 5 ኣቅሑት ቢሮ ሎት 6 መሳርሒ ፅሬት ሎት 7 ናይ ስፖርት ዕጥቂ ሎት 8 ፎቶ ከቅርቡ አለዎም

6 ተጫረቲ ንመከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀገዴ ኮይኑ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ 26/12/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካብም ጨረታ ሰነ ስርዓት ኣይተኣጎጎልን

9 ተጫራታይ ሰዓራይ ኮይኑ ምስተረከበ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ገንዝብ 10 ሚኢታዊ ብጥረ ገንዝብ ወይ ካብ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ብምትሓዝ ዉዕል ኣሲሮም ንብረት ብዝታኣዘዝዎ ዝርዝር መዐቀኒ ረቆሒ መሰረት ኣብ ዉሽጢ 15 ተከታታልቲ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ኣብ ወረዳ ፀገዴ ትልምን ፋይናንስ አታዊ ይገብሩ

10እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሱ ዝተሐወ እዩ

11 ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 35 መዓልቲታት ይከዉን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914190333 0914222628 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo