ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብርክት ዝበለ ናይ ዝተፈላለየ ሕትመታትን :ደንቢ ሕትመትን ክነሕትም ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቤት ምክር ክልል ትግራይ

ስለዚ ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተመልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ /ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሐለፎን ዘሐደሰን ቅዳሕ መረዳእታ አታሓሒዙ ዘቕርብ

2. መለለይ ቁፅሪ ከፋልነት ግብሪ TIN No ዘለዎ ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረደዳእታ ፎቶ ኮፒ ገይሩ አተሓሒዙ ዘቕርብ

3. ተመዝጋቢ ተወሳኪ ታክስ ዝኮነን

4. ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንሕድሕድ ብር 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) : ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ አለዎ

5. ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክሪ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ሒሳብ ክፍሊ ዘይምለስ ብር 30 ጥራሕ ብምኽፋል ካብ 11 /12/ 2010 ክሳብ 25 /12 / 2010 ዓም ሰዓት 8:30 ምዉሳድ ይከኣል

6. ጨረታ ዕለት 25/12/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊi ወኪል አብ ዝተረከበሉ ልክዕ ሰዓት 9:00 ይኽፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ብተመሳሳሊ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ ነንበይኑ ከቅርብ ዝክእል

7. ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒን መራገፍን መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብዉዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ

8. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 25 መዓልቲ ጥራይ ይከዉን

9. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ክሳብ 20 % (ዒስራ ሚኢታዊ) ካብ ነብስ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምውሰክ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

10. አቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተዳአ ረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344 41 65 70 ደዊልካ ብምሕታት ወይድማ ብኣካል ሓዱሽ ህንፃ ፊት ንፊት ርእሲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo