ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ን2ይ ዙር ዕደጋ ኣብ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝዉዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና :ጎማን : ባትሪን : ኣቅሑት ብሮድካስት መቀበሊን መረከብን : መሳርሒ ህንፃ : ኤሌክትሪክ : መለዋጢ ኣቅሑት ማይ ቧንቧ : ኣቅሐት ቢሮ : ስራሕቲ ሕትመት : ኢሉዉን እታወታት ምግቢ ሻሂ ክበብ አገልግሎትን አገልግሎት ጋራጅ ኣብ ዝተፈላለዩ ሎት ብምክፋል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሁመራ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2010 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግበሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክሉ

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርክምዉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ናብ ሆስፒታል ዋጋ ብዘይምቅያር ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ

8 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ስምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

9 ሰነድ ጨረታ ዝርከበለን ዝካየደሉን አታዊ ዝኮነሉ ቦታ ጋራጅን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ይከወን

10 ተጫረቲ ንእትወዳደርሉ ነብስወከፍ ዓይነት ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈለኩም ንምግቢ ኣቅሑት ቢሮ ሕትመትን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካህሐሳይ አበራ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 146 ዝተረፉ ድማ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ቢሮ ቁፅሪ 42 ካብ 4 ነሓሰ ክሳብ 25 ነሓሰ 2010 ዓም ሰዓት 1100 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

11 ተጫረቲ ንእትወዳደሩ ነብስወከፍ ዓይነት መከበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ክተትሕዙ ትክእሉ

12 2 ሚእታዊ ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ

13 ጨረታ 26 ነሓሰ 2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንምግቢ አቅሑት ቢሮ ሕትመትን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ይክፈት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 163 ነዚ ዝተረፉ ድማ ኣብ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 42 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

14 እቲ ሆስፒታል ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

15 ጨረታ ምስተከፈት እቲ ሆስፒታል ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ናይ ምውሳክን ወይ ምቅናስ ይክእል

16 ተጫረቲ እተቅርዎ ንብረት ብፅሬት ኮሜቲ ተፈቲሺ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይክፈት

17 ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ዋና መረዳእታ ሒዞም ክርከቡ አለዎም ተጫረቲ ንስ ቤት ዕዩ ዝገብርዎ ርክብ ብፅሑፍ ክከዉን አለዎ

18 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩም ንእትመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐዘ ምካኑ ተዘይኣመልኪቱ ዝመለእክምዉ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተሓዊሱ ከም ዝተመለአ ይዉሰድ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣብ ሰነድ ጨረታ ይመልከቱ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344481035 / 480011 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo