ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናዉቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ጨረታ ብድምፂ ወያነ ዝተጋወሐሉ መዓልቲ : 27/10/2010

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕ ማይ ትግራይ

ዝርዝር ጨረታ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ህንፃ መሳርሒ : ዝተፈላለዩ ዓይነታት መጋረጃ

1 ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ

2 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑን ናይዚ ወርሒ ናይ ቫት ሪፖርት ማለት እዉን ፀብፃብ ዘቅርቡ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር

4 ናይ መቅረባይ ሰርተፊኬት ማለት እዉን ወረቀት ምስክር ዘለዎ

5 እቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መክበሪ ዉሕስና ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ዉሕስና ባንኪ ንበይኑ ኣብ ፖስታ ዝተዓሸገ ከቅርብ አለዎ ናይቲ ዉስሕና መጠን ድማ ንሎት ሐደ 30,000 /ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ/ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዉሕስና ከትሕዙ አለዎም : ንሎት ክልተ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዉሕስና ከትሕዙ አለዎም

6 ተጫረቲ ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 07 ጥቃ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምቅራብ ንነብሰወከፍ ሎት 150 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ክፍሊ ዕደጋ ማለት እዉን ቁፅሪ 01 ክወስዱ ይክእሉ

7 ጨረታ ሳንዱቅ ብድምፂ ወያነ ትግራይ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተካታተልቲ 15 መዓልቲታት ክፉት ኮይኑ ዝፀንሕ እንትትከዉን ኣብ መበል 16 መዓልቲ ሽዑ ሰዓት 4:00 ረፋድ ተዓፅዩ ሸዑንሽዑ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ጨረታ ንምክፋት ዘድሊ ቅድመ ኩነት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ዋላ እንተዘተረኪቦም እቲ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሰዓቱ ዝክፈት ይከዉን

9 ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲ ሰንበት ወይድማ ህዝባዊ በዓል እንተኮይኑ ቐፂሉ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ማለት እዉን ብፅባሒትኡ ሰዓት 400 ረፋድ ተዓፅዩ ሸዑንሽዑ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት 4:30 ይክፈት

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለ እዩ

ንተወሳኪ መብርሂ 034404674 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo