ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይ ፍሳስን ከተማ መቐለ ካብ ዕለት 1/11/2007 ክሳብ ዕለት 30/10/2009 ዓም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦዲተር ክገብር ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ቀረብ ማይ መስተ ከተማ መቐለ

1 ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትል ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደሎም ዉልቀ ኦዲትራን ኦዲት ትካላትን

2 ንቤት ዕዩና ኦዲት ንምክያድ ዘክእል ብርኪ ሐደ ወይ ክልተ ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም

3 ናይ 2010 ዓም ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ (ተመዝጋቢ ንዝኮነ) መለለይ ግብሪ ከፋላይነት ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳታእታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ ዝክእል

4 ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መቀለ ከማ ትካል ምካኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእታኦም ምስ ዋና ብምግንዝብ ፋይናንሻል ዋጋ መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ አብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብጠቅላላ ኣብ 4ተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ድማ ናይ ተጫረቲ ስም ኣድራሻ ፊርማኦርጅናል ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፍሉ ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይ ፍሳስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 13 ዝተዳለወ ሳፁን ክሳብ 21/10/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ከእትዉ አለዎም

6 እቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐለብ መስተ ማይ ፍሳስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 13 ዕለት 21/10/2010 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተዘይተረኪቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ምክፍት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344407335

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo