ኤጀንሴ ልምዓት ዳ.ኣ.ን.ት ክልል ትግራይ ሞተር ሳይክልን: ባይስክልን ኮብራ መኪና ሞዴል 105 ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፔር ፓርት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም::

ኤጀንሴ ልምዓት ዳ.ኣ.ን.ት ክልል ትግራይ

          ንኻልኣይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቁፅሪ 05/2007 ዓ/ም

ኤጀንሴ ልምዓት ዳ.ኣ.ን.ት ክልል ትግራይ ሞተር ሳይክልን: ባይስክልን ኮብራ መኪና ሞዴል 105  ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፔር ፓርት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም::

1 በቲ ዓዉዲ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ::

2 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብመቕረባይነት ዝተመዝገቡን ዘሐደሱ ዘቕርቡን::

3 ናይ ወርሒ መጋቢት ናይ ድክለራስዩን ከቕርቡ ዝኽፈሉን::

4/TIN/ መፍለይ ቑፅሪ መረዳእታ ከቕረቡ ዝኽእሉ::

5 ተወሳኪ እሴት ታክስ /VAT/ ዝተመዝገብኩም ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ አብ ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስን ካብ ዝርከብ ናይ ሓባር ህንፃ ቢሮታት ክልል ትግራይ  1ይ ህንፃ 1ይ ደብሪ ኤጀንሴ ልምዓት ዳእንት ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረታት ቢሮ ቁፅሪ  01 ብር 30 /ሰላሳ /እናኸፈልኩም ሰነድ ምውሳድ ይኽእሉ::

7 ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ ዓይነት ኣቕሓ ዋጋ መሊእኩም ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ 24/ 08 /2007 ዓ/ም ሰዓት 2:30 ክሳብ 10/ 09/ 2007 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ዘሎ ጊዜ ዉሽጢ አብ ክልል ኤጀንሲ ልምዓት ዳአንት ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ የእትዉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን በቲ ዕለት 10/ 09 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም  ድሌት እንተዘይተረኪቦም ግና ጨረታ ምኽፋት ኣይታኣጓጎልን::

8 ተጫረቲ ናይ ሞተር ሳይክልን ባይስክልን ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ደኩመንት ኦርጅናልን ኮፕን ነንበይኑ ብፖስታ ተዓሺጉ ከቕርብ አለዎ::

9 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መክብሪ ጨረታ ንናይ ሞተር ሳይክልን ብር 15,000.00 /ዓሰርት ሓሙሽተ ሽሕ/ ብCPO ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ዝክእሉ::

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ንስፔር ፓርት ብር 3000.00/ ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ CPO  ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ  ከትሕዙ አለዎም::

11 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ንናይ ባይስክል ብር 3000. 00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ CPO ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ  ከትሕዙ አለዎም::

12 ጨረታ ዝሳዓረ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ፕሮፎርማንስ ቦንድ ወይ ድማ ናይ ባንከ ዉሕስና/Bank Guarantee/ ከቅርቡ አለዎም::

13 እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ረቆሒታት እተማልኡ  ተጫረቲ አብ ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ናብ ዝርከብ ናይ ሓባር ቢሮታት ክልል ትግራይ 1ይ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቢሮ ዕደጋ ፋይናንስን ምም/ ር/ን/ብ ቢሮ ቁፅሪ 01 እና መፃእኩም ምእታዉ ትኽእሉ::

14 እቲ ንብረት ኣቁሑት ነክንደይ እዋን ዉሕስና ጋራንቲ  ከምዝዋሃቦ ክገልፅ  ይግባእ::

15  ኤጀንሲና  ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

16 እቲ ኤጀንሲ 20% ናይ ምውሳክ ወይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

17 እቲ ትመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጊዜ እንተናአሰ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ን 45 ማዓልቲ ዝፀንዐ  ይኸዉን::

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo