ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ንቤት ፅሕፈት ወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕል ሸራተን ወንበር ናይ ኣዳራሽ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

ኣብቲ ዝተቀሰ ዘርፊ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብ በጀት ዓመት 2010 ዓም ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም ምክስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክእሉ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም : ናይ መቅርባይንት ካርድ ዘለኩም ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓምዲክሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ

ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 13/09/2010 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/09/2010 ዓ/ም ብምምፃእ ክተወዳደሩ ንዕድም

ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 28 /09/ 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ይከዉን መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ንዝበለፀ ሓበሬታ ሰነድ ጨረታ ይመልከቱ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0344430357 ምሕታት ይከአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo