ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ስራሕቲ ሕትመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

1 ናይ 2010 በጀት ዓም በቲ ዘርፊ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ :ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር : ናይ ከፋላይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምብር : ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ወረቀት ምስክር ናይ ወርሒ መጋቢት 2010 ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ፊት ንፊት ባንኪ ንግዲ ኢትዩጰያ ጨንፈር መቐለ ህንፃ ሞሞና 8 ናይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 803 ብምምፃእ ካብ 2/9/2010 ጀሚሩ ክሳብ 17/9/2010 ዓም ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

3 መከበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ምትሓዝ ዝክኣል

4 እቲ ጨረታ 17/9/2010 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ህንፃ ሞሞና 8 ናይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 803 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት

5 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

6 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342417669 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo