ሆስፒታል ዓብይ ናዉቲ ሕክምና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ
  • ናይዚ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መቕረበቲ ሰብ ትካል ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩምን ዘሐደስኩምን ብመቕረባይነት ኣብ ፋይ/ኢ/ልምዓት ዝተመዝገብኩምዎ Tin number ዘለኩም ሰብ ትካል ብስምኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዓ/ዓዲ ሆስፒታል ምሰ መሰነይታ ተታሒዙ ብዝቐረበ ሰንጠረዥ መሰረት ናይ ሐደ ዋጋ ብምጥቃስ ምቕራብ ዝከኣል ምኻኑ ንገልፅ

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ስራሕ ፍቓድን መለለይ ቁፅሪን/ tin number ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተወሃበ 2009 ዓ/ም ናይ መቐረቢ ምስክር ወረቀት ኮፒ ከተሓሕዝ ዝኽእል

2 ኣብቲ ብሆስፒታልና ዝተዳለወ ሰነድ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልእ አለዎ

3 አብቲ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እነተኮይኑ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይኸዉን

4 ናይ መሰራሕ ናዉቲ ሕክምና ዝርዝር መግልፂ ብምስራዝ ናይ ባዕሉ መግለፂ ዘቀመጠ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

5 በቲ ዝቐረበ ስፐስፊካሽን Unit መሰረት ተጌሩ ዋጋ ክምላእ አለዎ

7 ኣብቲ ናይ ጨረታ መምልኢ ቅጥዒ ሕጋዊ ማህተም ፌርማን ሽምን ክዓርፎ አለዎ

8 መክበሪ ጨረታ ከትሕዝ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብስፒኦ ዝክእል 10000 ከትሕዝ ዝክእል

9 ዘይምለስ ናይ ሰነድ ጨረታ ብር 30 ገዚኡ ይዉሰድ

10 ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 26/8/2010 ዓ/ም -11/09/2010 ዓ/ም ይኸዉን

11 ሰነድ ዝዉሰደሉ ኣታዊ ዝግበረሉን ቦታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ

12 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/09/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00

13 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓዓዲ ሆስፒታል ዕለት 12/09/2010 ዓ/ም ዓ/ም ሰዓት 4:30

14 እቲ ዘሸነፈ መድሓኒት ዉዕል ከቕርብ ዝኽእል እንትከዉን ተዘይኣቅሪቡ ድማ 10% ናይቲ ዘሸነፎ መድሓኒት ዋጋ ይቕፃዕ /ይኸፍል

15 ናይ ትራንስፖርት መጎዓዓዝያ ወጪ ብናይ ባዕሉ ምካኑ ፈሊጡ ዝጫረት

16 ዉዕሊ ድሕሪ ምእእሳሩ ዘንጊዑ ዘቅርብ ተጫረቲ 1/1000 ዝቅፃዕ ምካኑ ፈሊጡ ዝጫረት

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል 0344460050 /51 ምሕታት ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo