ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2010 ዓም በጀት ዓመት ሕትመት ስራሕቲ (መፀሄት) ብግልፂ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስኽር ወረቐት ሓደ ኣርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንኩሎም ንኩሎም ምድብት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 26/08/2010 ዓ/ም ክሳብ 15/09/2010 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንነብስወከፍ ሰነድ ጨረታ 3500 ቅርሺ ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 15/9/2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ ወይ ክዉስክ ይክእል እዩ::

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካም ሕታት ይከኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo