ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንቤት ፅሕፈት ማይን ማአድንን ኢነርጅን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝስርሓ ማእኮሎት ጎዳጉድን ከስርሕ ከምእዉን ናይ ኤሌክትሮነክስ ወይድማ ናይ ማሽንሪ ኤክፑመንት ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ብናይ መደበኛ ሳሆን በጀት ዝሰርሓ ማእከሎት ጎዳጉዲ ዝጫረት ብግልፂ ጨረታን ከምእዉን ብናይ ልምዓት ፕሮጀክት ስደተኛታት ተፅዕኖ ምላሽ ERDIP ንዝካየድ ናይ ማእከሎት ጎዳጉዲ ብብርኪ ከባቢያዊ ጨረታ ደረጃ 6 ልዕሊኡን ከወዳድር ከምእዉን ንዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮነክስ ወይድማ ናይ ማሽንሪ ኤክፑመንት ሳፕላይ ንምዕዳግ ስለዝደለየን ብናይ ኤሌክትሮነክስ ወይድማ ማሽንሪ ኤክፑመንት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ተጫረቲ ብክብሪ ይዕድም

1 ናይ 2009 ዓም ግብሪ ከፈሊልኩም ናይ 2010 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ዘለኩም

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም :ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

3 ናይ ወርሒ መጋቢት ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ

4 ንናይ ማይ ካዕቲ ስራሕቲ ዝተወዳደሩ ዝተሐደሰ ሰርተፈኬት ክተቅርቡ እትክእሉ ከልኦት መረዳእታ ሓዊስኩምን ፋይናንሻል ኮንትርክተራት ዝተመልእ ዋጋ ኦርጅናልን ብክልተ ኮፒን ሕድሕዶም ነኒበይኖም ብምዕሻግ ኣብ ዝባን ፖስታ ኦርጀናልን ኮፒን ተባሂሉ ሽምን ፌርማን ተወዳደርቲ ዓሪፍዎ ኩሎም ድማ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምጥማር ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንድቅ ብጥንቃቂ መሊኦም ክእትዉ ዝክእል ክምእዉን ንቴኒካል ኦርጅናልን ኮፒን በበይኖም ብምዕሻግ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምጥማር ኣብ ናይ ቴክኒክ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ

5 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብሰ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ብምፍራም ማህተም ብምግባርን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ ከአየተኣጎጎሉ መሊኦም ከቅርቡ ዝክእሉ ዝተጎደለ ብእርሳስ ዝተመለአ ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዓን ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

6 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድላይ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

7 ተጫረቲ ዘይምለስ ንሰለስቲኦ ሰነድ 50 ቅርሺ ብምክፋል ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4 ክትወስዱ ትክእሉ

8 ናይ ጨረታ መክበሪ ንስለስቲኡ ሰነዳት ንማይ ስራሕቲ ቢድቦንድ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ 15,001 ሺ ከምእዉን ንናይ ኣቅሑት ዕድጊት ድማ 1000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ኣለዎም

9 ተጫረቲ ኣሸኒፍካ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ብስርዑ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ 5ተ ናይ ቅሬታ ግዘ ኣብዉሽጢ 3 ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊካብ ጠቅላላ ዋጋ ካብ ዘሸነፈዎ ዋጋ ከትሕዝ ዝክእል

10 እቲ ጨረታ ካብ 17 ሚያዝያ 2010 ዓም ክሳብ 7 ጉንበት 2010 ዓም ኣብ አየር ይፀንሕ ዕለት7 ጉንበት 2010 ዓም ድማ ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይክፈት ቴክኒካል ዉፅኢት ይክፈት

11 ድሕሪ ሰለስተ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ፋይናንሻል ዉፅኢት ዕለት 10 ጉንበት 2010 ዓም ሰዓት 3:30 ፋይናንሻል ዉፅኢት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ አብ ቤት ፅሕፈት ልልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይከፈት

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀሓበሬታብቁፅሪስልኪ 0345500005 / 0345500231 ደዊልካምሕታትይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo