ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ኣብቲ ወረዳ ዝርከባ ሴክተራት አገልግሎት ዝዉዕል ናይ መሳርሒ ፅሕፈት : ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ ኣቅሐት : ናይ ስፖርት ዕጥቂ : ናይ ሕትመት ስራሕቲ ብግልፂ ምልክታ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ክሕትምን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት

1 ነዘም ቅድሚ ኢሎም ብዝተዘርሩ ዝተቀመጡ ዓይነታት ዕድጊትን ስራሕን ነናባዕሎምን ስራሕን ዘርፍን ንግዲ ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ዘለኩም መቅረብቲ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲና ናምበር ዘለኩም መቅረብቲ ካብዚ ሰዒቦም ዝተዘርዘሩ ዓይነት መዓቀኒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

2 ኣብ ኩሎም ዓይነት ጨረታ ተወሳመኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም መቅረብቲ ክትሳተፉ ትክእሉ

3 ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳእታ በቢወርሑ ክሳብ 30 ማጋቢት 2010 ዓም አታዊ ዝገበርኩም መረዳእታ ኣታሓሒዝኩም ክተቅርቡ አለኩም

4 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐለ ካብ 16 ሚያዝያ ክሳብ 8 ጉንበት 2010 ዓም ሰዓት 5:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ማዓልቲታት ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸ ፖስታ ዋናን ቅዳሕነ ነንበይኑ ተፈላለዩ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ትክእሉ

5 እቲ ጨረታ 8 ጉንበት 2010 ዓም ሰዓት 5:30 ተጫረቲ ወይ ድም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ንመከበሪ ጨረታ ንመሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ዝርዝር ሐበሬታ ተቀሚጡ ይርከብ

7 ካልኦት ኣድለይቲ ዝብሃሉ ሐበሬታት እዉን ብዝበለፀ ኣብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ዝርዝር ሐበሬታ ተቀሚጡ ስለ ዘሎ ካብኡ አንቢብኩም ምርዳእ ትክእ ኢኩም

8 ጨረታ ዝሰዓርኩም ተወዳደርቲ ንኩሎም ዓይነታት ዕድጊት ብናይ ባዕልኩም መፅዓንን መራግፍን መጎዓዝያን ሸፊንኩም ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ሰመማ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክተረክቡ አለኵም

9 ንናይ ሕትመት ስረሕቲ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ታሓቲሙ ተወዲኡ ብናይ ባዕልኩም መፅዓንን መራገፍን መጎዓዝያን ወፃኢ ሸፊንኩም ናብቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ከተማ ሰመማ ክተረክቡ አለኩም

10 እቲ ቤት ዕዩ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345570156 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo